ሕገ ደንቢ ኣገልግሎት ሰላም ባስ

ስርዓተ ቲኬትን ኣቐሑትን

ዋጋ ቲኬትን ግቡኣት ተሳፈርትን

- ዋጋ ትኬት ዝትመን ብወድዓዊ ዋጋ ዕደጋ /ዋጋ ባስ፣ ነዳዲ፣ መቀያየሪ አቕሑት፣ ጎማን ወዘተ/ መሰረት ብምግባር ናይቲ ትካል ማነጅመንት ብዝትምኖ ዋጋ እዩ፡፡

- ዝተሸጠ ትኬት ቅድሚ ቀትሪ 8:00 ሰዓት ድሮ ዕለት ምውፋር ጉዕዞኡ እንተተሰሪዙ ገንዘቡ ሙሉእ ብሙሉእ ይምለሰሉ፡፡ ብድሕሪ 8፡00 ሰዓት ንዝሓትትን ንጉሆ አብ መበገሲ ሰዓት ከይመፅኣ ዝተረፈን ግና 50% ዋጋ ትኬት ተቐኒሱ ገንዘቡ ይምለሰሉ

- ሓደ ሰብ ዝዓደጎ ትኬት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾነ ምክንያት ጉዕዞ ሰሪዙ ካልእ ሰብ ንክኸደሉ እንተደልዩ ንመተኣናገዲ ብምፍላጥ ክቕይር ይኽእል፡፡ ኮይኑ ግና ትርፊ ንምርካብ ቲኬት ምሻጥ ኩልኩል እዩ፡፡

- ኣብ ሕድ ሕድ ቲኬት ናይ ተሳፋሪ ወንበር ቑፅሪ ስለዘለዎ ሕድ ሕድ ተሳፋራይ ኣብታ ዝተነፀረትሉ ወንበር ኮፍ ክብል ይግባእ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ መንጎ መንገደኛታት ብምፍቕቓድን ብድልየትን ወንበር ምልውዋጥ ይካኣል'ዩ፡፡

- ዝኾነ ተሳፋራይ ኣብ እዋን ቲኬት ምቑራፅ ይኹን ጉዕዞ መለለይ ካርዱን ቲኬቱን ከርኢ ኣድላይ ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉን ኣብ ዝሕተተሉን እዋን ናይ ምርኣይ ግቡእ አለዎ፡፡

- ስርዓተ ቲኬት ምቑራፅ ግልፅነትን ፍትሓዊነትን ብዝተኸተለ መንገዲ ኮይኑ ኣቐዲሙ ዝመፀ ኣቐዲሙ ይቖርፅ ብዝብል መርህ እዩ፡፡

 

መጠን ኣቕሑትን ክፍሊትን ዝምልከት

- ሕድ ሕድ መንገደኛ ክሳብ 25 ኪሎ ዝምዘን ኣቐሑት ብነፃ ከጓዓዓዝ ይኽእል'ዩ፡፡

- ሻንጣኦም ይቖልፉ፡፡ ሽሞምን አድራሻኦምን አብ ውሽጥን ደገን ሻንጣኦም ይፅሓፍሉ፡፡

- ኣብ ዝባን ባስ ዝፃዓኑ ንብረታተት ብመጠን ክብደቶም ንሕድ ሕድ ኪሎ ብር 0.1278 ብኪሎሜትር ሒሳብ ክኽፈል አለዎ፡፡

- ናይ መንገደኛ ዓቕሓ ዝፀዓን ከምቲ ናይቲ ዓቅሓ ዓይነት ኣብ ውሽጢ ባስ /ካቢን/ ወይ ካዓ ኣብ ላዕሊ ክፀዓነሉ ይኽእል፡፡

- ሓደ መንገደኛ ዝለዓለ ዝፍቀደሉ መጠን ዕፅነት 75 ኪ/ግራም ጥራሕ እዩ፡፡

- ካብዚ ወፃኢ ክብደት ዘለዎምን ዓበይቲ ቦንዳታትን ምፅዓን ኣይካኣልን፡፡

- ናይ ኤሌክትሮኒክ አቕሑት፣ ካሜራ፣ ገይፃመይፂ፣ ጥረ ገንዘብን ዝኣመሳሰሉክባራት አቅሑት አብ ዒዶም ይሓዙ፡፡

- ንድሕንነት ንብረት መንገደኛን ትካልን ዝጎድእ ወይ ንምፅዓን ዘፀግም ንብረታት መንገደኛ ከም ፈሳሲ ነገር፣ ቅብኣት፣ ዘይቲ፣ ቀለም፣ ፋሓም፣ በርበረ፣ ብፅቡቕ ዘይተዓሸገ መዓርን ካልኦት ጎዳእቲ ነገራት እንተልዮም እቲ ትካል ንክፅዕን ኣይግደድን፡፡

- ትኬት ተቖሪፅዎ አብ ላዕሊ ዝተፅዓነ ናይ መንገደኛ ንብረት ብዝኾነ ምኽንያት እንተጠፊኡ በቲ ኣብ ትኬቱ ንዝተቐመጠ ክብደት ብኪሎ 7፡00 ብር ሒሳብ ትካል ይኸፍል፡፡ ነዚ እውን ተሓታትነቱ ስጋብ 75 ኪ.ግ ጥራሕ ይኸውን

- ብቐሊሉ ዝበላሸዉ፣ ተሰበርቲ አቕሑት፣ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝተኣሸጉ ሻንጣታትን ናይ ሻንጣ ደገ አካላትን እንተተበላሽዮም ሓላፊነት የብልናን፡፡

- አብ ዒዶም ዝሓዝዎን አብ ውሽጢ አውቶቡስ ዘቕመጥዎን ንብረትእንተጠፊኡ ሓላፊነት የብልናን፡፡

- አብ ጉዕዞ ከጋጥም ብዝኽእል ጭሕጋግ፣ ስንጣቕ፣ ምጡንባቕ፣ ምቑራፅን ምርሳሕን ሻንጣታት ሓላፊነት የብልናን፡፡

- አውቶቡስ ምስ ዓረፈ ሽዑ ንሽዑ ሻንጣኦም ካብ መዕረፊ ቦታ ይውሰዱ፡፡

- ሻንጣኦም እንተተጎዲኡ ወይ ካዓ እንተጠፊኡ ካብ መውረዲ ቦታ

ከይለቐቕኩም ሽዑ ንሽዑ የፍልጡ፡፡

- ሻንጠኦም ምስተፃዕነ ብዝኾነ ምኽንያት አብ መውረዲ ቦታ ተረኺቦም ክቕበልዎ ተዘይኪኢሎም ናይ ባዕሎም ሓላፊነት ይኸውን፡፡

 

 

 

 


 

© 2006 Selam Bus Line. All rights reserved.