ሕገ ደንቢ ኣገልግሎት ሰላም ባስ

ስርዓተ ጉዕዞ

ደሕንነት ዝሓለወ ጉዕዞ ዝምልከት

መራሒ ኣውቶብስ ዝምልከት

- ኣብ እዋን ስራሕ ኣልኮል ምስታይን ጫት ምሕያኽን ኩልኩል'ዩ፡፡ ኣብ እዋንስራሕ እዋን ዕረፍቲ'ውን ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮል ምስታይ፣ ይኹን
ካልኦት ንስርሑ ዕረፍቱን ብአሉታ ዝፀልዉ ተግባራት ክፍፀም የብሉን፡፡

- ኣብ እዋን ስራሕ እኹል ድቃስ፣ መግቢ ዕረፍትን ክረክብ ኣለዎ፣፣

- ኩሉሻብ ኣብ ስራሕ እዋን ፅርየቱ ዝሓለወ ደንቢ ክዳን ክጥቀም ኣለዎ፡

- ኣብ እዋን ጉዕዞ ምስ ኩነታት መንገዲ፣ ብድልየት መንገደኛታት ኣየር ጠባይን ዘገናዘብ ጥንቃቐን ርግኣትን፣ ዝተኸተለ ኣዛውራ ስነ ስርዓትን ደንብታትን ሃገርና ብዝተኸተለ ኣዘዋውራ ብምጥቃም ዝለዓለ ሓልዩትን ክብርን ንመንገደኛታት ክህብ ኣለዎ፣ ካብ መንገደኛታት ዝዋሃቦም ጠቐምቲ ሓበሬታታን ምኽርን'ውን ክቕበሉ ይግባእ፡፡

- ዝኾነ ዘዋሪ ባስ ካብ መስመር ወፃኢን ሕጋዊ መዕረፊኣን ወፂኢ ንባስ ምንቅስቓስ ይኹን ምሕዳር ኩልኩል'ዩ፡፡ ካብ ፍቓድን ኣፍልጦን ወፃኢ ገንዘብ ዘይተኸፈሎ ልዕሊ 25 ኪ/ግራም ንብረታት ምፅዓን እውን ኩልኩል'ዮ፡፡

- ዝኾነ ዘዋሪ ባስ ካብ ዝተፈቐደሉ መዓረፊ /ፊርማታ/ ወፃኢ ንመንገደኛታት ጊዜን ምቾትን ብዝጎድእ መንገዲ ባስ ጠጠው ምባል ኩልኩልዮ፡፡

መተኣናገዲ ዝምልከት፣

- ኣብ እዋን ጉዕዞ ውሽጣዊ ፅርየት መኪና ብቐፃልነት ይከታተልን ይሕሉን፣

- ውሽጣዊ ፀጥታ ደሕንነት መንገደኛታት ንክሕሉ ቐፃላይ ፃዕርታት ይገብር፣ ንዛሓመሙ ቐደማይ ረድኤት ይህብ፣

- ንመንገደኛታት ዝተዳለወ መስተንግዶታት በቲ ዝድለ ስዓትን ብሩህ ገፅን የተኣናግድ፣

- መንገደኛታት አብ ጉዕዞ እዋን ዘድልዮምን ዝግባዕን ነገራት እንዳተኸታተለብኽብሪእንዳሓብሐበ የማልዓሎም፡፡

ተሳፈርቲ ዝምልከት፣

- አብ ውሽጢ አውቶቡስ ሽጋራ ምትካኽ ኩልኩል እዩ፡፡

- ዝኾነ መንገደኛ ንፀጥታ ምቾትን መሰልን ደሕንነትን መንገደኛታት ይኹን ትካልዝጎድእ ወይ ዝህውኽ ተግባራት ንክፍፅም ኣይፍቀደሉን፡፡

- ኣብ እዋን ጉዕዞ ካብ ፍቓድ መተኣናገዲ ወፃኢ መስኮትን ማዕፆን ምኽፋት ኣየፍቀደሉን፡፡

- ጥዕናኡንጉዕዞብቑዕኮይኑዘይተረኸበመንገደኛበዘይናይሕጋዊሓኪም ፈቓድ ምስፋር ኣይፍቀደሉን፡፡

- ማስቲካ ተጠቒምካ አብ ውሽጢ አውቶቡስ ምድርባይ አይፍቀድን፡፡

ኣብ ውሽጢ ባስ ዝዋሃብ መስተንግዶታትን መዘናግዕታትን

    - ኣብ እዋን ጉዕዞ ሕድ ሕድ መንገደኛ ቅድሚ ቐትርን ሓደ ሓደ ልስሉስ መስተወይ ዕሹግ ማይ ምስ ሕብሽቲ ዝወሃብ እንትኾን ድሕሪ ቐትሪ ኻዓ ደረቕ ዕሹግ ብሽኩቲ ወይ ቖሎ ምስ ሐደ ልስሉስ መስተ ወይ ዕሹግ ማይ ብነፃ ይዕደል፡፡

    - ኩሎም ኣብ ውሽጢ ባስ ንመንገደኛታት ዝቐርቡ ሙዚቃታትን ቪድዮን ፊልምታትን ብትሕዝቶኦም ይኹን ብኣቀራርብኦም ንክብርን ባህልን ሃገርና፣ ብሄረሰባት፣ ሃይማኖት ወዘተ ብኣሉታ ዘይገልፁ፣ ንደንበኛታትና ቅር ዘየብሉን ክኾኑ ይግባእ፡፡ አገባብ ኣቀራርባ'ውን ክንዲ ዝካኣል ንሃገራዊ ፍቕርን ሓድነትን ዘዕብዩ፣ ናይቲ ዝበዝሕ ተሳፋራይ ደልየትን ስምዒትን ብዘርዊ መንገዲ ንምግባር ፃዕርታት ክግበሩ አለዎም፡፡

ኣብ ውሽጢ ባስ ዝህሉ ኩነታት ኣየር ዝምልከት፣

- እቲ መራሒ ባስ ነቲ ዝበዝሕ መንገደኛ ብዝስማማዖን ምቾቱ ብዝሕሉን መንገዲ፣ ነቲ ኣብ ደገን ውሽጢ ካቢንን ዘሎኩነታት ኣየር ኣብ ግምት ብምእታው ናይቲ ካቢን ኣየር ናይ ምስትኽኻል ሓላፍነት ኣለዎ፡፡

- ዝኾነ መንገደኛ ኣብ እዋን ጉዕዞ ብዘይ ፈቓድ መተኣናገዲ ማዕፆን መስኮትን ምክፋት ኩልኩል'ዩ፡፡

ኣብ መንገዲ ዝህሉ ዕረፍትን መደቀስን

- ኩለን ባሳት ካብ ቑፅፅር ወፃኢ ዝኾነ ፀገማት እንተዘይ ኣጋጢሙወን በቲ ንመንገደኛ ዝሰማማዕ ሰዓትን ቦታን ዝንፅር ፕሮግራም መሰረት ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ኣለወን፡፡

- ኣብ አዋን ጉዕዞ ቅድሚ ምሳሕን ድሕሪ ምሳሕን ኣብ ዘሎ እዋን ንምንፋስ ኣብ ዝጥዕም ቦታ ባስ ጠጠው ብምባል ናይ ዓሰርተ ደቒቓ ዕረፍቲ ይህሉ፣

- መንገደኛታት ዝሓድሩሉ ቦታ ደረጅኡ ዝሓለወ መግብን መደቀስን በቲ ዝድለ ዓይነትን መጠንን ተመጣጣኒ ዋጋን ዝርከበሉ ፃዕርታት ይግበር፣ ባሳት ዝሓድራሉ ቁርስን ምሳሕን ዝግበረሉ ቦታ ዝተወሰነ በቲ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት መንገዲ ኣየርን ይኸውን፡፡

ብዛዕባ ደሕንነት መንገደኛታት

- ኩለን ባሳትና ዝተማልአ ኮምፕሪሄንሲቭ ኢንሹራንስ /ግጭት፡ ምግልባጥ፣ ስርቅን ሓዊን/ ከምኡውን ብሽፍታ ዝበፅሕ ሓደጋን ንሕድ ሕድ ተሳፋራይ ብወንበር ቁፅሪ ልክዕ ናይ ህይወት ውሕስና ዘለዎ እንትኾን ናይ ሳልሳይ ወገን ዝተማልአ ውሕስና እውን ዘለወን እየን፡፡

- ንደሕንነት፣ ምቾት፣ ህይወትን ንብረትን መንገደኛታትና ዓቕሚ ዝፈቐዶ ኩለ ፃዕርታት ክግበር እዩ፡፡

- ካብ መንገደኛታት ወይ ዝተፈቀደሉ ሰብ ወፃኢ ዝኾነ ሰብ ናብ ኣውቶብስ ምስቃል ወይ ሸቐጥ ምችርቻር ኣይፍቀድን፣

- ዝኾነት ባስ ቴክኒካዊ ፀገም ወይ ሓደጋ እንተበፂሕዋ እቱ ትካል ኣብቲ መንገደኛ ንዝበፅሑ ፀገማት መጓዓዓዝያ ይኹን ኣገልግሎታት ንምሽፋን ካልእቲ ቅያር አውቶቡስ ገይሩ ግልጋሎት ይህብ፡፡

ብዛዕባ ስርዓተ ሓበሬታን ርክብን፣

- ኩለን ባሳት ብሞባይል ወይ ሬድዮ ምስ ጨናፍርን ዋና ቤት ፅሕፈት ርክብ ክህልወን እዩ፡፡

- ኣብ ምጅማር ጉዕዞ ብዛዕባ እቲ ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ ሓፀርቲ ሓበሬታታ ንመንገደኛታት ይዋሃቡ፡፡ ኣድላይ ኣብ ዘኾነሉ አዋን'ውን ተወሳኽቲ ሓበሬታታት ይዋሃቡ፡፡

- ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ንጎሆ ቐትርን ሃገራዊ ዜናታት መንገደኛታት ዝስምዕሉ ኩነታት ኣድላይ ምትዕራይ ይግበረሉ፡፡

- ኣብ ሕድ ሕድ መንገደኛታት መንበር ፊት ንፊት ኣብ ዝህሉ ጁባ /መትሓዚ ፅሑፋት/ ብቐዳምነት ሕገ ደንቢ ሰላም ባስ ብኣምሓርኛ፣ ኣሮምኛን ትግርኛን ኣድላይ ኣብ ዘኾነሉ እዋን'ውን ብካልኦት ብሄር ብሄረሰባት ቋንቋታት  ወዘተ ተጠሪዙ ንንባብ ይቕመጥ ኣብ እዋን ጉዕዞ'ውን ንመንገደኛታት ሕፅር ዝበለ ካብ ዝተቐረፀ ካሴት ክሰምዕዎ ይግበር፣

- ነቲ ሕጊ ደንብ መሰረት ብምግባር ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ወይ መንገደኛታት ኣብዝሓትሉ እዋን ርኢቶ መውሃቢ ወረቐት ንክመልኡ ይዋሃቦም፡፡ እቲ ትካል ድማ ካብ ደንበኛታቱ ካብዝረኸቦ ሪኢቶ መሰረት ብምግባር ኣገልግሎት ብቐፃልነት ንምዕባይ ክፅዕር እዩ፡፡

 

 

 


 

© 2006 Selam Bus Line. All rights reserved.